Kiros Asfaha - Teamir (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 3 ต.ค. 2024
  • Fb Official Page : cutt.ly/TtD46Q2
    OFFICIAL Albums :
    Meat Were : cutt.ly/Hd7a5vr
    Aleku : cutt.ly/4d7aVWb
    Nabra : cutt.ly/5d7aHVS
    Menbar Aydgemnyu : cutt.ly/Yd7aI0m
    An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.
    All rights reserved ® HABESHA PLUS
    / habeshaplus
    #kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic
    Lyrics
    ቃላት ኣይገልጾን’ዩ መልክዓ ኣካላ
    ብጥበብ’ያ ወጽያ ናዓይ ተባሂላ
    ኣብ እግራ ሮማዲ ደበና ጽላላ
    ብኹለንትናኣ መን ከማይ ኣቢላ
    ናይዚ ዘመን እዚ ጎብለል ተባሂላ
    ናይዚ ዘመን እዚ ጎብለል ተባሂላ
    ካብ ማህጸን ክብረ ወሰን ሓዚላ
    ኣብዚ ዘመን ታኣምር ተፈጢራ
    ልደታ ኣብ ዓለማት ይጸምበል
    ንኽብራ ይደበል ይታዓለል
    ታኣምር...
    ንገሩ ህዝቢ ዓለም ኣበስሩ
    ንገሩ ዝራኣኽሞ መስክሩ
    ንገሩ ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ
    ንገሩ ስለ ኽብራ ዘምሩ
    ታኣምር...
    ካብ ደምን ስጋን ድያ’ታ
    ካብ ናይ መሬትና ጽፍሒ
    ዶ ወላስ ካብ ሰማያት
    ወይ ካብ ጉኑን ሞግልሒ
    ኣብ ጠፈራት ድያ ዓብያ
    ምሰ ኣዋርቅ ኣብ ጥፍሒ
    ይርእይ ኣሎ ዓይነይ
    ተንቃሳቕሲት ወርሒ
    ተንቃሳቕሲት ወርሒ
    ነቲ ዋግዋግ መሬት ኣብርሂዎ ገጻ
    ብልሳን ብቐለም ከቢድ’ዩ ምግላጻ ምግላጻ
    ኣይኮነን’ዶ ስሩዕ ቅርጻ
    ኣይኮነን’ዶ ልኡል ድምጻ
    ኣይኮነን’ዶ ቐላይ ዓይና
    ኣይኮነን’ዶ በረድ ስና
    ኣፍቂረዮለኹ ኣነስ ወላ ኽዳና
    ወላ ትሓልፈሉ ጎደና
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ረቅቕቲ ፍጡራት ኣለዋ ይባሃል
    ምልኩዓት ሙዃነን ይንገር ብዕላል
    እዚኣ ግን ሰብ’ያ ስጋ ዝለበሰት
    ንፈለማ ግዜ ኩሉ ዘማለአት
    ንፈለማ ግዜ ኩሉ ዘማለአት
    ከም ጸባ ትስተ ከም እኽሊ ትብላዕ
    ካብ ጽባሕ ናብ ጽባሕ መሊሳ ትኹላዕ
    ዓለም ክተመቅር ብፍሉይ ተላእኸት
    ኣብ ምንቅስቓሳ ንፍሑላ መለኸት
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ካብ ማህጸን ክብረ ወሰን ሓዚላ
    ኣብዚ ዘመን ታኣምር ተፈጢራ
    ልደታ ኣብ ዓለማት ይጸምበል
    ንኽብራ ይደበል ይታዓለል
    ታኣምር...
    ንገሩ ህዝቢ ዓለም ኣበስሩ
    ንገሩ ዝራኣኽሞ መስክሩ
    ንገሩ ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ
    ንገሩ ስለ ኽብራ ዘምሩ
    ታኣምር...
    ካብ ደምን ስጋን ድያ’ታ
    ካብ ናይ መሬትና ጽፍሒ
    ዶ ወላስ ካብ ሰማያት
    ወይ ካብ ጉኑን ሞግልሒ
    ኣብ ጠፈራት ድያ ዓብያ
    ምሰ ኣዋርቅ ኣብ ጥፍሒ
    ይርእይ ኣሎ ዓይነይ
    ተንቃሳቕሲት ወርሒ
    ተንቃሳቕሲት ወርሒ
    ነቲ ዋግዋግ መሬት ኣብርሂዎ ገጻ
    ብልሳን ብቐለም ከቢድ’ዩ ምግላጻ
    ምግላጻ
    ግርማኣ ግርማ ኽራማት
    ፈዋሲት ኩሉ ሕማማት
    ኣፍልባ መዕረፊ ደንደስ
    ሽታኣ ሽታ ቤት ምቕደስ
    በየናይ መግለጺ ብምንታይ ክትምሰል
    ገነት ብምልእታ ኣብኣያ ትጥቕለል
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ንሳ’ታ ሃሪ ጸጉሪ ርእሳ
    ንሳ እታ ግሩም ኣልባሳ
    ንሳ ፈጣሪ’ዩ ዋሕሳ
    ንሳ ንግስቲ’ያ ንሳ
    ንሳ ልእልቲ’ያ ንሳ
    ንሳ እወ’ታ ማዓር ጠስሚ
    ንሳ’ታ ናይ ሂወተይ ትልሚ
    ንሳ’ቲ ናይ ትማሊ ሕልሚ
    ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ
    ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ
    ንሳ’ታ ሓያል ሰራዊታ
    ንሳ’ታ ኹሉ ዝጥምታ
    ንሳ’ታ ቕቡል ሓሳባታ
    ንሳ ጌራትኒ’ላ ናታ
    ንሳ ጌራትኒ’ላ ናታ
    ንሳ እታ ታኣምር ቅርጻ
    ንሳ ታ ጽብቕቲ ኣራግጻ
    ንሳ እታ ጸባ ርሃጻ
    ንሳ ንዓያ መሪጻ
    ንሳ ንዓያ መሪጻ
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ገለያ’ዚኣስ ገለ ገለ’ያ ገለ
    ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ
    ንሳ’ታ ሃሪ ጸጉሪ ርእሳ
    ንሳ እታ ግሩም ኣልባሳ
    ንሳ ፈጣሪ’ዩ ዋሕሳ
    ንሳ ንግስቲ’ያ ንሳ
    ንሳ ልእልቲ’ያ ንሳ
    ንሳ እወ’ታ ማዓር ጠስሚ
    ንሳ’ታ ናይ ሂወተይ ትልሚ
    ንሳ’ቲ ናይ ትማሊ ሕልሚ
    ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ
    ንሳ ንግስቲ’ያ ንሳ
    ንሳ ልእልቲ’ያ ንሳ

ความคิดเห็น • 176