ቀመመይ/ qememey

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 10 ก.ย. 2024
  • ቀመመይ
    ማርያመይ ዝመስለኪ ከም ዘየለ እፈልጥ ኣለኹ
    ግን እቲ ክብሎ ዝደልእኹ መታን ክብሎ
    ቀመመይ እንዳ በልኩ ከገጥመልኪ ተላዒለ ኣለኹ
    ከመይሲ ብዘይ ብኣኺ ሂወተ የብለይን
    እንተ ሃለወኒ እውን መቐረት የብሉ
    ቀመመይ
    ቀመመይ ኢኺ ህርመት ልበይ ትቓንይ
    ንፍሒት ሳናቡአይ ተሳናድኢ
    ቀመመይ ኢኺ ኣንደበተይ ተላዝቢ
    ልሳነይ ትቐብኢ ውህብቶኣ ክጥዕም
    ወለላ ከተንጠብጥብ ንኹሉ ባህ ዘብል
    ቀመመይ
    ቀመመይ ኢኺ ናይ ብሓቂ ፍልይቲ ቀመም
    ኣምዕርዒርክያ ንሂወተይ ምረት ናብራ ብዘየገድስ
    ሽታ ሮማነይ ኢኺ ሃረር ዝብል መኣዛ
    ሃነንትኡ ማራኺ ወሃቢ ደስታ
    ብኹሉ ተባሃጊት ከም ጸሓይ ንግሆ
    ጠጥዒ ቆጽሊ ኣየት ንምርኣያ ባህ ተብል
    ቀመመይ
    ናይ ሓጎሰይ ቀመም ኢኺ ምልኣት ተልብስዮ
    ናይ ስርሐይ ቀመም ኢኺ ምስጢር ዓወተይ
    ሜላ ምንባረይ ኢኺ ቅርጺ ተትሕዝዮ
    ስጉምቲ ኣእጋረይ ትምልከቲ ኣዒንተይ ተቋምቲ
    ብዘይ በኣኺ ማርያመይ ከመይ ምኾንኩ
    እንታይ ምኻን ኣለዎ ካላእ ትሕሰቦ
    ቀመመይ
    ንጽህቲ ኢኺ ንጽህቲ ኣዚኺ ድምቕቲ
    እዛ ጸሓይ እንታይ ኣለዋ ኣብ ቅድሜኺ
    ብርሃን ኮንክኒ ኣብ ልበይ ትበርሂ
    ድምቀት ፋናኺ ጸልማት ጋሊሁለይ
    መገደይ በሪሁ እነኹ እግስግስ
    ተዛንየ ሸናዕ እብል ልበይ ቀሲኑለይ
    በብሓደ እረግጽ ከም መርዓት ሕጽኖት
    ቀመመይ
    ቀለበይ ሓጎስ ጉሳዐይ ፍሰሃ
    መዝሙረይ መዝሙር ምስጋና
    ፍላይ የብሉን ካብ ናይ መላእክቲ ዜማ
    ቀመመይ ቅኒተይ ንስኺ ኢኺ
    ህርመት ናውተይ ተወሃህዲ ጎሮሮይ ትስሕሊ
    መታን ከንጎድጉዶ ውዳሴኺ
    ቀመመይ
    እንታይ ጎዲሉኒ ነዓኺ ረኺበ
    ክዘልል እየ እምበር እና በልኩ ተሓምበለ
    ከበሮ ሓምሓም ክዘብጥ ብሓጎስ ተፈንጪሔ
    ማርያመይ ቀመም ኢኺ ናይ በሓቂ ቀመም
    ብዘይ ብኣኺ ኣይወዓል ኣይሕደር
    ሓንቲ ካሊኢት እኳ ምኾነት ዘመን
    ቀመመይ
    በዚ ምድረበዳ ሓሊፈ ኔረ - ማይ ጸሚኤ
    ምስ ንዓኺ ምጽማእ ግን ኣይዳረግን
    በዚ ሰሃራ ሓሊፈ - ዘጽልለሉ ተመንየ
    ጽላልኪ ግን ሕልፊ’ለዎ ምስ ኩነት ዘይድረት
    ስምኪ ርውየተይ እዩ ጽላልኪ ድማ ዕቑባይ
    ክንደይ ተዓዲለ ማርያመይ ናትኪ ምኻነይ
    ቀመመይ
    ቋንቋይ ኢኺ ምስ ኣቦይ ዝዝትየላ
    ምስ ወላዲተይ ዝረዳድኣላ
    ምስ ኣሕዋተይ ዘውከዓላ
    ምስ ስድራይ ኢሂንሚሂን ዝብለላ
    ቋንቋይ ኢኺ ልዝብቲ ፊደል ማርያመይ
    ቀመመይ
    ሰዓተይ ኢኺ ኣብ ልበይ ዝኣስራ
    ኮምፓስ ሂወተይ ንጽርቲ መኣዝን
    መሪሕ መርከበይ ቀላሲት ጉዕዞይ
    ንብዓት ብርዐይ ምጩውቲ ውቃጦ
    ቀመመይ ከመይ ኢለሞ ንስምኪ ክገልጾ
    ማርያመይ ከመይ ኢለሞ ንስምኪ ክገልጾ
    ስብሃት ለእግዘኣቢሄር
    ወለወላዲቱ ድንግል
    ወለመስቀሉ ክቡር

ความคิดเห็น • 1