መደብ ምግፋሕ ምግብና ተምሃሮ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 23 ก.ย. 2024
  • ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኤስ ኤን ቪ ብርጅ ፕላስ ፕሮጀክትን ዝተዳለወ ምግብና ተምሃሮ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ንምግፋሕ ዝዓለመ ክልላዊ መድረኽ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተሳሊጡ።
    ነቲ መድረኽ ብዕሊ ዝኸፈቱ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚአብሄር ፤ ብድሆታት ትግራይ ንምቕራፍ ዝተመስረተት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ውሑድ ማሕበረሰብ ኣብ ታሕተዋይ ፀፍሒ ይኹን ኣብ ማእኸል ናይ ምንባር ዕድሉ ትሑት ብምዃኑ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ካብ ምንባር ወፃኢ ካልእ መማረፂ ክህልዎ ኣይኽእልን ብምባል መሰረታዊ ብልጫ ውሑድ ማሕበረሰብ ብትምህርቲ ዝመፅእ ብሉፅነት እዩ ብዝብል እምነት ሕድሕድ ትግራዋይ ኢንቨስት ዝገበረሉ ትምህርቲ ብሰፊሑ እናዓመመት ከም ዝመፀት ሓቢሮም።
    ኣብ ትምህርትን ህፃናትን መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ብምስራሕ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ድማ ሰፊሕ ባህርያዊ ለውጢ ስርዓት ኣመጋግባ ማሕበረሰብን ምገባ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ወሳኒ ምዃኑ ኣይተ ተስፋይ ወሲኾም ኣረዲኦም።

ความคิดเห็น •