Shikor Entertainment - Robel Michael - AqaTinki Bli | ኣቃጢንኪ ብልዒ - New Eritrean Music 2021

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 1 ม.ค. 2025
  • #robelmichael #mezekerta #Asmera #Elnakanerna #Shikor #ShikorEntertainment
    I am an Eritrean singer-songwriter. This is my official TH-cam chanel. I hope you like my music. thank you and spread the word.
    ℗ © ሰላም ነዚ ቪድዮ ካብዚ ዳዉንሎድ ምግባር ን ኣርቲስት ብዙሕ ጉድኣት ስለ ዘለዎ ብክብረትኩም ካብዚ ቻነል ነዚ ቪዲዮ ዳዉንሎድ ምግባርን ብ ኢደ ዋኒንኩም ምዝርጋሕን ኩልኩል እዩ።
    © All rights reserved to Shikor Entertainment. No part of this publication may be reproduced, distributed or transmitted in any form or by any means without the prior written permission of the publisher.
    ኣቓጢንኪ ብልዒ
    ሕሰም'ዶ ብኢሱ ስኢንኪ ምጽጋቡ
    ፍጡር'ዶ በዚሑ ጥሜት ሰብ ጽጋቡ
    ጽጉብ ኣይትርኣዪ ዘሞንጎደ ክሳድ
    ጎይታ ኣለና ከም ሰብ ዘይለመደ ምሳድ
    ቤትካ'ያ ምቕርቲ ቤትና ምስ ሰብ እዋን ኣይተነጻጽሪ
    ሂወት ንምዕቓብ ሜላታት ፍጠሪ
    ይጽላእ'ዶ ኢልክዮ ክመልእ ሞሶብካ
    ተዘይተካእለ ግን ምንባርዩ ከምሰብካ
    አሕፊስካ'ዶ ይጽላእ ካብ ርፍራፍን ቖሎን
    ግና ኣይተረኽበን ኣማራጺ የሎን
    ንተስፋ ምውሳድዩ ከም ናይ መንፈስ መግቢ
    ምስጋና ድራርዩ እንተ ኣሚኑ ልቢ
    ረዳኢ ኣብዘይብሉ ጉልባብካ ካብ ምቅላዕ
    ጭውነት እኻዩ ኣቓጢንካ ምብላዕ
    ጥሜት የእሙሮዩ ብማንም ዘይሓዊ
    ከብዲ ግን ሓላል'ዩ ብማይ ተዓሻዊ
    እዛ እዋን ክትሓልፍ ዓቕሊ ስነቒ'ምበር
    ምሉእ መዋእል'ዶ ጠሚካ ኸይንበር
    ክሳብ ትውላዕ እታ ናይ ጽጋብ ብርሃን
    ናብራ እናቓጠንኪ ጽንሕለይ ብድሓን
    ዕድልኪ ኣይተምርሪ እንታይ ገበረ ዕድል
    ኣቲ ብደይመደዩ ብሰብ እዋንዩ እዚ ግድል
    ድሓን ንሕጂ'ሞ ይኩን ኩሉ ነገር ንውልቖም
    መርገም ውጽዕቲ ነብስኪ ኣብ ምዓልቱዩ ዝወድቖም
    ክንዲ ሓምለ መምሊ ወይ ዓተርን ሙጎን
    ደምበና ካብ መልአ ብዕሙር ጸጎጎ
    ንዓጽዶ ኣብ ዘይብልና እነእትዎ ዘርኢ
    ግራትና ካብ መልአ መታወኒ ጉልዒ
    ክሳብ ዝርህወና እቓጢንኪ ብልዒ
    ሕደማ ፡ ታደሰ ተስፋይ
    ዜማ፡ ሮቤል ሚኪኤል (ሽኮር)

ความคิดเห็น • 174