ውዕሎ ሬድ ሲ ካመልስ🇪🇷 ኣብ 3ይ መድረኽ ዙር ኣልጀሪያ 14.05.2024።

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 13 พ.ค. 2024
  • ዙር ኣልጀርያ 3ይ መድረኽ
    ✅ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብልጽቲ ጋንታ
    ✅ኣኽሊሉ ገብርሂወት ማልያ ብሉጽ ሓዃራይ
    ✅ሚልኪያስ ማእከለ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ
    ዙር ኣልጀርያ 2024 ሎሚ ሰሉስ 14 ግንቦት 156ኪሜ ንውሓት ዝሽፍን ብ3ይ መድረኹ ቀጺሉ ኣብ ዝዋዓለሉ፡ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ሜሮን ተሾመ ፡ዓወት ኣማን፡ ኣኽሊሉ ገብርሂወት 6ይ 8ይን 9ይን ደረጃ ሒዞም ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ውድሮም ዛዚሞም።
    ነዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ሃዲማ ዝዋዓለት ጉጂለ ጀርመናዊ Meo Amman 1ይ ኮይኑ ክዕወተሉ ከሎ ኣልጀራዊ Ayoub Sahiriን ካናዳዊ William Goodfellow ካኣ 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።
    Stage 3 Results
    6 🇪🇷Meron TeShome.
    8 🇪🇷 Awet Aman
    9 🇪🇷 Aklilu Gebrehiwet
    11🇪🇷 Metkel Eyob
    14 🇪🇷 Even Yemane
    18🇪🇷 Milkias Maekele
    52 🇪🇷 Yafiet Mulugheta
    ኣብዚ ተኻይዱ ዘሎ ሰለስተ መደኻት ብድምር ግዜ ኣዮብ ሳሂሪ ብ9:48:03 ሳዓታት 1ይ ኮይኑ ክመርሖ ከሎ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሜሮን ተሾመ ካኣ ብ9 ካልኢት ጥራይ ተፈንቲቱ 2ይ ደረጃ ሒዙ ይስዕቦ።
    General Classification
    2 🇪🇷Meron Teshome +0:09"
    10 🇪🇷Metke Eyob +2:25'
    13 🇪🇷Milkias Maekele +3:29'
    21 🇪🇷Yafiet Mulugheta +4:32'
    33 🇪🇷 Awet Aman +5:42'
    35 🇪🇷 Aklilu Gebrehiwet +6:21'
    51 🇪🇷 Even Yemane +19:42
    ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ ኣልጀርያዊ ያሲን ሓምዛ ብ16 ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ ከሎ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሜሮን ተሾመ ብ1ነጥቢ ጥራይ ተበሊጹ 2ይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
    Point Classifications
    🇩🇿Yacin Jamza 16 pnts
    🥈🇪🇷Meron Teshome 11
    🥉🇩🇿Youcef Reguigui. 10
    9🇪🇷Metkel Eyob 8
    11🇪🇷Milkias Maekele. 6
    18 🇪🇷Awet Aman. 6
    19🇪🇷 Yafiet Mulugheta 1
    ኣብ ናይ ብሉጽ ሓኻራይ ማልያ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ገብረሂወት(ወዲ ዓላ) ብ 22 ነጥቢ 1ይ ኮይኑ ክመርሖ ከሎ ምስ ናይ ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ተሰሊፉ ኣብዚ ዙር ዝሳተፍ ዘሎ ሻምፕዮን ኤርትራ ዓወት ኣማን ካኣ ብ18 ነጥቢ 3ይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
    Result of best climber after stage 3
    🥇🇪🇷Aklilu Ghebrehiwet. Eritrea 22pnts
    🥈🇲🇨 Aiman Vahyadi Terengganu 18
    🥉🇪🇷 Awet Aman UCI WCC Team 18 "
    5🇪🇷 Meron Teshome. Eritrea. 4 "
    6🇪🇷 EYOB Metkel Terengganu 4 "
    ኣብ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሚልኪያስ ማእከለ ነታ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዝተረከባ ማልያ ክሳብ ሕጂ ከየድፈራ ብ9:51:32 ሳዓታት 1ይ ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።
    Young rider jersey
    🥇🇪🇷Milkias Maekel 9:51:32h
    🥈🇩🇿Nasrallah Mohamed Aissa. +0:09''
    🥉🇩🇪Tillman Sarnowski +0:30"
    4🇪🇷Yafet Mulugeta. +1'03"
    ብደረጃ ጋንታታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ(ሬድ ሲ ካመልስ) ብ29:28:10 ሳዓታት ብልጽቲ ጋንታ ኮይና ክትመርሕ ኮላ፡ ጀርመናዊት ክለብ Embrace The World ን ኣልጀርያዊት ኮንቲነንታል ጋንታ Madar Pro Cycling Team ብ1'47" ደቂቅን ብ2'02" ደቂቅን ተፈንቲተን 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዘን ይስዕባኣ።
    Best Team
    🥇🇪🇷Eritrea. Nat. Team 29:28:10h
    🥈🇩🇪Embrace The Word +1'47"
    🥉🇩🇿 Madar Pro Cycling Team +2'02
    ቮርሳ ረድ ሲ ካመልስ።

ความคิดเห็น •