New Eritrean Video 2024 (ምስ ወዲ ጀበሊ ንተበዳሊ ዝተዋህበ ምኽሪን ርእይቶ በዓል ሞያን “ንሓዳር ዘምጻእኩዋ ጉድ ጌራትኒ"

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 30 ก.ย. 2024

ความคิดเห็น • 107

  • @tesfamichaelmebrehatu841
    @tesfamichaelmebrehatu841 7 หลายเดือนก่อน +10

    ዮናስ ሓውና እዚ ሎሚ ምስ ዑዱም ጋሻኻ ያቆብ ሃይለ ክኢላ ናይ ስነ-ልቦናን ስነ-ኣእምሮንዩ ሓቀይ ኣዝዩ ብሱልን ብቐሊሉ ከረድኤን ሞያዊ ትንተና ክህብ ሰሚዐዮሞ ኣብ መደባትካ እንተትዕድሞ ጽቡቕ እዩ ንቡዙሓት ብስነልቦና ወይ ከምልሙድ ጭንቀት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝሴቐዩ ብዙሓት ኢዮም እሞ እንተትሰርሑሉ ብጣዕሚ ውጽኢቱ ድማ ምዓዘዘ ይብል የቐንየለይ

  • @በይነይኢየዘለኹ
    @በይነይኢየዘለኹ 7 หลายเดือนก่อน +6

    ዘለናዮ ኢዩ ይገርም ኣምላኽ ነናይ ኢድና ይሃበና ብጣዕሚ ኢዩ ዘሕዝን ኣነ ኣብ ኢትዮፕያ ኢየ ተመርዕየ ስድርኣ ኣቡኣን ኣዲኣን ኣምጺአላ ሓዋ ውን ኣብቲ ዝነበረ መርዓ ተሳቲፎም ጽቡቅ መርዓ ውን ሓሊፉ 12 ሽሕ ዶላር ወዲእና ንስለስተ ወርሒ ኣዉኡ ጸኒሐ ብጣዕሚ ጽቡቅ ነይሩ እቲ ግዜ ይገርም ኢዩ ግን ሓደ ዘገርም ኣጋጢሙ ምስ ተመለስኩ ገንዘብ ይሰደላ ኣብቲ ግዜ እቲ 200 ወርሓዊ ይሰደላ ነይረ ኩሉ ዘድልያ ውን ይገብረላ ነይረ ማለት ኣነ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ድሓን ዝኮነ ትምህርቲ ሞያ ኣለኒ ኣምላክ ይመስገን ጽቡቅ ኣታዊ ነይርኒ ምስ ተመለስኩ ግን ቆልዓ ዓርኪ ሒዛ ብድሕረይ ሓደ ደዊሉ እንተ ትመጽእ ጽቡቅ ነይሩ ይብለኒ እሞ እንታይ ኣሎ ድዩ ሓድሽ ይብሎ እንተ ትመጽእ ጥራይ ይብለኒ ግን ከይትነግራ ስቅ ኢልካ ምጻእ ኣነ ውን ብwhatsapp ኢየ ዝረክባ ነይረ ስራሕ ፍቃድ ሓቲተ እንደገና ንኣዲስ ኣምሪሐ ኣብ ሰለስተ ወርሐይ ኣትየ የሕዋተይ ውን ኣይፈልጡን ኢዮም ኣዉኡ ግን ነይሮም ኣትየ ኣብ ሆቴል ምሸት ይድውለላ ነዕልል ታክሲ ጌረ ናብቲ ትነብረሉ ገዛ ከይደ እታ ዋና ገዛ ጽቡቅ ርክብ ኢዩ ነይርና ናይ ዓመት ገዛ ክራይ ከፊለላ ነይረ ኢየ ዘየሽግረካ እንተ ኮይኑ ገንዘብ ክጥቀመሉ ስለ ዝበለትኒ ሕራይ ኢለ ውን ጌረላ ነታ ዋና ገዛ ቀዲመ ናብ ገዝኣ ከይደ ተረጋጊአ የዕሊለያ ንሳ ውን ፈሪሓ ናይ ካንሸሎ መፍትሕ ንክትከፍተለይ ጥራይ ኢየ ደልየ ወስ ከይትብል ዝኮነ ሓደጋ ከይትፍጽም ኢላ ፖሊስ ክጽውዕ ግን ናይ ሻሂ ክትህቦም ኢካ ኢላትኒ ሕራይ ኢለያ ረኪባቶም መጽዮም ካንሸሎ ተከፊቱ ለይቲ ኢዩ ኣቲና ካሕካሕ ነብል ትከፍተና ኣነ ብድሕሪት ኔረ ክንኣቱ ይብልዋ ደሓን ንምንታይ ኢላ ሰንቢዳ ክንኣቱ ይብልዋ ኣነ ቅልቅል ኢለ ሰላም ኢለ ድፍእ ኣቢለ ይኣቱ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢየ ርእየ ኣብ ሂወተይ ዓቢ በሰላ ዝገደፈለይ ትርኢት ርእየ ወዲ ኣብ ዓራት ደቂሱ ኩስትሞ ጥራይ ጌሩ ንሳ ውን ክትከፍተና እንከላ ብጃማ ናይ ለይቲ ጌራ ኢያ ጸኒሓትና ንሳ ሰንቢዳ ብጣዕሚ ዘሕዝን ስንባደ ዋና ገዛ ምስኣ ኣይኮነትን ትነብር ኣካርያቶ ኢያ ኔራ ok thanks ኢለያ ነታ ሰበይተይ ንኺድ ኢለዮም ንፖሊስ ናይ ሻሂ ደርብየሎም ንሆቴል ከይደ ዝኮነ ከየጋጥመኒ ንነብሰይ ውን ፈሪሐ ንፖሊስ ሓቢረዮም ኣጆኻ ክሳብ ትከይድ ኣለና ኣብ ጎንኻ ኢሎምኒ ንጽባሒቱ ምስ ዋና ገዛ ተራኺብና ዝተረፈ ሕሳብ ናይ 8 ወርሒ ገንዘበይ መሊሳትለይ ድሕሪ ሰሙን ተመሊሰ ንሳ ክከፍለላ ዝክእል ስለ ዘይነበራ ክትወጽእ ከም ዘለዋ ሓቢራታ ኣነ ተመሊሰ ንየሕዋተይ ውን ክረክቦም ኣይደለኹን ተመሊሰ ስቅ ኢለ ኢለ ካብ ቴለፎነይ ውን ብሎክ ኣይበልክዋን መዳለዊ ናይ ሓደ ወርሒ ገዲፈላ ኢየ ምስ ዓርከይ እታ ሰሙን የሕሊፈያ ንሱ ውን ዝኮነ ኣይተዛረበን ንካልእ ኣብ ውሽጡ ጌርዎ ጋል ግን ንወዲ ኣኮይ ኣብ ናይ ሓደ ወዲ ገዛውትና መርዓ ረኪባቶ ምስ ሓውካ ደኣ ተፋቲሕና ኢና ኮ ኢላቶ ኣብ ወርሒ ዘይኣክል ንሱ ደዊሉ ንየሕዋተይ ክመጽእ ኢየ ንገዛ ኢልዎም እንታይ ኮይንኩም ስቅ ትብሉ ዘይትዓርቅዎም ኢልዎም ንሶም ውን ሰንቢዶም እንታይ ትብል ኣለኻ ኢሎም ደዊሎምለይ እንታይ ኢዩ ኣጋጢሙ ይብሉኒ ደሓን ኢዩ ስቅ ጥራይ በሉ ኢለዮም ኣይተዛረብኩን ሓዋ ካብ ኤርትራ ይድውልለለይ ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ይነግሮ ናይ ብሓቂ ከድንቆ ኢየ ዝደሊ ምክንያቱ ፎቶ ወሲደ ኢየ ክሰደልካ ይብሎ ጽቡቅ ውሳነ ኢዩ ንሳ ከኣ ኣይደልዮን ኢየ ጥራይ ኢላቶ ኣነ ዝወሰድክዎ ወረቀት ካብ እንዳ ፖሊስ ኣለኒ ምሳይ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሕዝን ዘለናዮ ኣነ ግን ንወላዲተይ ይኩን ንወላዲየይ ውን ኣይተዛረብክሉን ኣየናይ ዘሕጉስ ኮይኑ ኢለ ስቅ ኢለ እንከለኹ ቶኻቲኻትኒ ባዕላ ድሕሪኡ ንቤተ ሰባ ኣኪበ ንስድርኣን ንስድራይን ብሓደ ጌረ ነጊረዮም ምሉእ ናይ ሓትንኣ ኣብቲ ዝነበረ ምሸት ጌረ ኣርእየያ ኢየ ከቢድ ኢዩ ነይሩ ኣዝዩ ዘሕዝን ዘገርም ንስድርኣ ግን ዝኮነ ምስኣ ዝነበረና ወላ እንተ ኣጋጠመ ናትኩም ጉቡእኩም ጌርኩም ንሳ ከኣ ጉብኣ ጌራ ዝኮነ ዘሾቅርር የብልኩምን ኢለዮም ብጣዕሚ ኢዩ ከቢድ ንክትሰምዖ ውን ኣነ ግን ኣምላክ ይመስገን ንኩሉ ጸይረዮ ኣምላኽ ውን የሕሊፉ ኣይሃበንን ኣይተጨነክሉን

    • @ሴም
      @ሴም 7 หลายเดือนก่อน

      Sebay eka nay bhaqe ygerem eu. ab kuluna zegatem zelo eu tewaridna eko

    • @SmilingGouldianFinch-uy8li
      @SmilingGouldianFinch-uy8li 7 หลายเดือนก่อน

      Ya nay bhaki wesane eyu thanks kemzi aynet atehasasba khlewena kulnea

    • @Dnk-k5v
      @Dnk-k5v 7 หลายเดือนก่อน

      Bteami meglexi sinelka beka nay behaqi xbuk hasab u egzeabhier amlak akilika🙏ezi kulu seb ksemio zelewo u kulu gzie nhmakn xbukn dluwat knkewn alena,, zterefe hiwetka xbuk ymneyelka, kabzi kemzi hmak hasabat nayza gual yedhnena fetari

    • @helenhabtegergish7438
      @helenhabtegergish7438 7 หลายเดือนก่อน

      Waw kula anbibeya ajoka amlak tsubuk sile zihasebelka eyu nitsubuka eyu mariam mis weda misaka tikun

  • @eritreabest4834
    @eritreabest4834 7 หลายเดือนก่อน +3

    ከም በዐል ሞያ ሐሳቡ አይጸላእክዎን, አብ ናይ ዮናስ ግን ብወዲተባዖታይ ወገን ቲፎዞ ተራእዮኒ ,ጥልመት ብወዲ ይኩን ብጋል አይድግፎን እየ ተኮነ ግን አብ ሕብረተሰብና ዘይድግፎ አብ ጋለነስተይቲ ከጋጥም ከሎ በቃ መሬት ከም ዘንቀጥቀጠ እዮ ዝሪኤ እታ ጋል ዉን ምስ ወዲ ኤርትራዊ ትጋገ ዘላ , ክንደይ አሕዋትና እየን ብጥልመት ደቂ ተባዕታይ ዝበክያ ዘለዋ እዚ ግን ወላሐደ አይዛረበሉን እዮ ዘሕዝን, ከም ሐቂ ብዛዕባ ጥልመት ወገን ወዲተባዕታይ ከይሐዝካ እንተዝዝረብ ጽቡቅ ይመስለኒ ምክንያቱ ክንደይ እዮም ደቆምን አንስቶምን ገዲፎም ብሐሶት አብ አፍሪቃ ከይዶም ዝምርዓዉ, ክንደይ አብ ርእሲ ሐዳሮም ካብ ካልእ ዝወልዱ ስለዚ ጥልመት ወዲ የቡሉ ጋል ብማዕረ አብ ስትረስ/ደብረሽን ዘእቱ ስለዚ ደቂንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ብማዕረ ምክሪ ምሀብ ጽቡቅ ጥዕና ዘለዎ ኮሚኒቲ ንምፍጣር::

  • @erinabella5455
    @erinabella5455 6 หลายเดือนก่อน +1

    ኩሉ ንጽበይ እትብል ብሂል አዝያ ባህ እትብለንን ተበርትዓንን ኮይና ረኺበይ: እዚ ሓውና ተጠሊሙን ግዜን ገንዘብን ከሲሩ: ግን ከአ ምስኡ እንተትነብር ድአ ክንድምንታይ ምጉድአቶ ኔራ ማለት እያ : እዚ ክትፍጽም ስኽፍ ዘበላ ካልእ ክትገብር ውን ድሕር እትብል አይኮነተትን : ስለዚ እንቓዕ ተረፈትካ እዚ ሓወይ : አጆኻ ወዲ ኤረ 👍❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️

  • @mamaafrica900
    @mamaafrica900 7 หลายเดือนก่อน +4

    ብሉጽ ስራሕ ዮኒ፡ ርእይቶ፣ 1* ን ወዲ ጀቢሊ ሓንሳብ ሓንሳብ ክብድ ዝብሎ ሕቶ ኣሎ፡ ደሓር ክይጸልኡኒ ብምባል ሓሳባቱ ዝኾልፎ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ 2* ኣቶ ያቆብ ረጊኡ የርግኣካ ግን ምስ ኩሉ ኾይኑ ማለት ንርኡይ ጌጋ ትርር ኢሉ ዓገብ ክብል ኣለዎ በሃላይ የ ከም ርእይቶይ እምበር ክንዲ ጽፍሮም ኣይመጽእንየ ኣነ, በተረፈ የቀንየልና ኩላትኩም ደቂ ኤሪ 🇪🇷

  • @ተ.H.T.ሃ.2
    @ተ.H.T.ሃ.2 7 หลายเดือนก่อน +2

    ግን ኢቲ ጠንቂ ከምዚ ዘምጽእ ዘሎ ኢንታይ ኢዩ ኢዞም ኣብዘይ መረበቶምን ሃገሮምን ወጽዮም ከምዚ ዓይነት ሽግራት ዘጋጥሞም ዘሎ ኣብ ሃገሮም ኢንተ ዝቅመጡ ኢቲ ሽግራት ምዋሓደ ነይሩ ካብ ሚኢቲ ሳላሳ ገለ ምኮነ ጠንቂ ናይ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዎ ዘሎ ግን ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ኩሉ ግዜ ኣብ ሳዕቤን ጥራይ ኣይትዛረቡ ኣብ ጠንቂ ካኣ ተዛረቡ ሓቂ ኣይትዕበጡ ከም ኣማከርቲ ኣይትፍርሑ

  • @kibromtzegay6068
    @kibromtzegay6068 7 หลายเดือนก่อน +5

    ጋዜጠኛ ዮናስ ይቅሬታ ባዓልካ ሓታቲ ባዕልካ መላሲ ሕቶ ኣቅርበሉ ህድእ ኢልካ ሰሚዒካ መልስ ኣወዳኣዮ ትህወክ ኣለካ ናዓይ ክማን ጭንቀት ገይርካለይ❤

    • @WediSawaMendelay
      @WediSawaMendelay 7 หลายเดือนก่อน

      Emo himak aloka 😂😂😂 entay koynu eu ezi seb kulu ab kereba koynu

  • @ኣርሰናላዊ
    @ኣርሰናላዊ 7 หลายเดือนก่อน +2

    ሰላም ሰላም ዮናስ ከምኡ እውን ዶክተር ያዕቆብ እዚ መደብ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ቀጺሉሉ ::ንያዕቆብ ካልኣይ ግዜ ህዝካልና ክትመጽእ ብተስፋ ንጽበ

  • @samsonelias2971
    @samsonelias2971 7 หลายเดือนก่อน +2

    ብሓቂ ግዜ ዝጠልቦ ኣርእስቲ ኣምጺኻ ዮኒ ሓወይ፡፡ ኣብ ደገ መቸም ካብ ወዲ የብሉ ካብ ጋል ሕብረተሰብና ተበዲሉ ይብደልን ኣሎ፡፡ ብዝኾነ ከምዚ መደብ ክበዝሕ ኣለዎ፡፡ እዚ እዩ እቲ ሓቂ ሕብረተሰብ ክፍውስ ዝኽእል፡፡ ኣብ በይንና ጥራይ ኣይኮነን ወይ ፍሉይ ተርእዮ ኣይኮነን ብዓለም ደረጃ፡፡ ንዓና ከም ኣመንቲ ፈጣሪ መጠን እዩ ዘሰንብደና፡፡ በዚ ምኽንያይ እዮም ጸዓዱ ነቲ ዘይንቡር ክቕበልዎ ዝደልዩና፡፡ ንሕና ግን ምስ ሕብረተሰብና ወይ ንሕብረተሰብና ክሓልፈሉ ኢልና ንስደድ ሞ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ መስ ገጠመና ንስንብድ ናብ ሓጺር ውሳነ ወይ ስጉምቲ ንበጽሕ፡፡ ስለዚ ንጥልምውት ኩሉ ግዜ ክንጽበዮ ኣሎና ከመይ ኢልና ክንወጽእ ድማ ኣቕዲምና ናይ ካልኦት ትምህርቲ ክኾነና ኣለዎ፡፡ እዚ ወዲ ብጣዕሚ ሓቀኛ ስምዒቱ ስለ ዝዛራብ ዘሎ ንዝፈልጦ ሰብ ጽቡቕ ኣይኮነን እዚኣ ክትመሃረላ ዮኒ ሓወይ፡፡ ወይ sound effect ግበረሉ፡፡

  • @wahs1235
    @wahs1235 7 หลายเดือนก่อน +1

    ዋእ ኣታ ሎምዓንቲ እንታይ ወሪዱካ ዮናስ?ኮላሊፍካ ኮ ወዲእካዮ።ኣወዳኣዮ please.

  • @MiTe521
    @MiTe521 7 หลายเดือนก่อน

    Wawww nay Yakob Professional Mikri Semay Teqes eyu beqa. Kab Smieat Wexaei kulu Brdieat Melsi Hiblu. KEMZIOM Zbelu Sebat Invite gerka Bzuh Meharena eka Yoni. You did a great job Yoni bro. ❤

  • @helenabraha7801
    @helenabraha7801 7 หลายเดือนก่อน +5

    Ajoka amlak kekeflak eyou please relax hawey natay I know it’s not easy I wish I can talk to you. Ajoka hemak ayhseb nesa eya ne nebsa bedila ajoka ajka hawey antay

  • @obitkahsay9586
    @obitkahsay9586 7 หลายเดือนก่อน +1

    ሰላም ዮናስ ኣነ ሓደ ካብ ተካታተልቲ መደባትኩም እየ። ጽቡቅ ስራሕ እዚ ሎሚ ኣቅርብክሞ ዘለኩም መደብ ዝያዳ ኣቶክሮ ዘድልዮ ይመስለን መክንያቱ ከምዚ ናይዚ ሓውና ጥልመት ዘጋጥሞም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። እሞ ን ኣቶ ያቆብ ደግምካ ከተቅርበልና ተስፋ ይገብር ከምኡ ከኣ ካልኦት ክእላታት ስነ ኣእምሮ ወይ ውን ናይ ህወት ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ተተቅሩብልና ዝያዳ እቶም ተሃስዮም ዘለዉ የሕዋትና ሓገዝ ምረከቡ ንትገብርዎ ሓገዛት ደግመ የመስግን ሓውኩም ካብ ሆላንድ

  • @sabaokbagergish2065
    @sabaokbagergish2065 7 หลายเดือนก่อน +1

    ዮናስ አብዙሕ ነገር ጃጅ ትገብር ኢኻ እሞ ናይ ክልተ ወገን ጉዳይ ምስማዕ ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ።

  • @thomasyohanns9522
    @thomasyohanns9522 7 หลายเดือนก่อน +2

    ዋው ናይባህቂ ማሃሪ ዝኮነ ምኽሪ አቶ ያቆብ ሃይለ የቀነልና። ዩናስ ቁርብ ትኮልፎ ነርካ አብ ዘረቡኡ ! ብዝኮነ ሐፈሻዊ ጽቡቅ ነሩ። 🇪🇷❤️🇪🇷

  • @tesfiemichael9123
    @tesfiemichael9123 7 หลายเดือนก่อน +1

    ኣይትጨንክ ኣይትጨነኽ... ንሱ ጭንቀት ብኸመይ ደው ምባል እዩ ጠፊዎ..ኣይትሕሰብ ማለት ኢያ
    ዮናስ ወዲ ጀበሊ. ክገብርዎ ዘይክእሉ እዮም.. ዮናስ ዘጨንክ ምስ ረኸብ እሞ ደው ምባል ስኢኑ ክፈልጣ እዩ.. ደው ከብሎ ጭንቀት ዝኽእል የለን..
    የጭንቅ እዩ ግን.. ብዓል ሞያ ወይ ሼክ. ሕተት ክብልዎ ይግባእ
    ኣይትጨነኽ ምሊሱ ዘጨንክ. እዩ.. ይጋገዩ እዮም ንይሮም!!!

  • @Dnk-k5v
    @Dnk-k5v 7 หลายเดือนก่อน

    ሰላም ንዓካ ዮኒ ኩሉ ተቅርቦ ብጣዕሚ ጽቡቅ መደባት ዩ ፡ ግን ሓንቲ ክብለካ ዝደሊ እቶም ኢንተርቪው ትገብረሎምሲ ትኮልፎም ኮይንካ ዘረብኦም፡ጽን ኢልካ ቅድም ስምዓዮም ብድሕሪኡ ትዛረብ፡ እዚኣ ከተማሕይሻ ብትሕትና ይሓትት ምስናይ ይቅሬታ ዮኒ ሓወይ

  • @afewerkiaregai2869
    @afewerkiaregai2869 7 หลายเดือนก่อน

    ብሓቂ ኣብ ግዚኡን ሰዓትን ዝቀረበት መደብ ከምዚ ዓይነት ምጥልላም ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ወይ ተጻመድቲ ሓድሽ ተርእዮ ዲዩ ዋላስ ዝነበረ ግን ከኣ ማስሜድያ ኣንበድቢዱ ዝጋነን ዘሎ ተርእዮ እዩ። እንታይ ትብሉ ብዛዕባ እዚ መደብ ተዓዘብቲ

  • @zaidtewelde2368
    @zaidtewelde2368 7 หลายเดือนก่อน +1

    ሰላም የሕዋተይ ኢዝመደብ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ ዮናስ ሓወይ ብዙሕ የመስግነካ ብኩሉ ነገር ምስ ወዲ ጀበል ጭንቀት ሕማም ኢዩ ዝማላለስ መመሊሱ ኣብሓዕል ሰባት ኢዩ ከሚቲ ዝበልካዮ ዮናስ ኣብ ወጻኢ ንነብሪ ከብድ ኢዩ ጽቡቅ ኣላካ ዮናስ ሓወይ ክጥዕም ኮሎ ከዝይ ሓዉና ከተቅሪበልና ከመይ ሰናይ ምኮነ ይብል ብቓንቓና ይሪዳኣና ማለተይ ኢየ ዕድመን ጥዕናን ይምነየልኩም ክቡራት የሐኣታየ 🙏🏾🇪🇷✊🏾👍🏾🤚🏾💖

  • @erinabella5455
    @erinabella5455 6 หลายเดือนก่อน

    Thanks, Yonas for the wonderful programs you present different people 🙏❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️

  • @mehretkidane2241
    @mehretkidane2241 7 หลายเดือนก่อน

    Doctor bihki eka hudue Egiziabiheir hibika,sidet dea entay zeyesmaaka zeyereyeka , ezi hawina kea kabti zelewo bota nab keeriflu zikiel ente zikeyid , neaa Amlak alo kulu Ziriei ! Niaka dima Zihshe Amlak hizlka Alo agoka Zi hawey!!

  • @bggebreyesus6179
    @bggebreyesus6179 7 หลายเดือนก่อน

    እዛ ዘይ እድብቲ ዘይ ከም አደታታ ናዉራም.
    ብዝኮነ ንጽቡቅካ እዬ ዝጠፍአ ገንዘብካ ድማ በጃ ነብስካ ይክድ❤

  • @merhawitesfazgi9631
    @merhawitesfazgi9631 7 หลายเดือนก่อน

    Yonas deguter elkas derho Adimka azi wegenawi wsan ayu zhb zelo nay deqi Anstyo degefe balgna yetababa Alo

  • @dani52328
    @dani52328 7 หลายเดือนก่อน +2

    ጽቡቅ መደብ ዮናስ ቀጽሎ ኣጆኻ ከም ወትሩ ዝበለጸ መደብ

  • @biniamweldemichaelb9384
    @biniamweldemichaelb9384 7 หลายเดือนก่อน

    Way given him for wide jeble ( He is naturally smart, He is genius.❤) IK IS 10 % Give him, Degree doctrin 🎉👍🙏🇪🇷

  • @jamilazainalabid2798
    @jamilazainalabid2798 7 หลายเดือนก่อน +2

    Thank you . For inviting him it’s good idea . I think you need him more many people can get advice

  • @efremabrhaley2087
    @efremabrhaley2087 7 หลายเดือนก่อน

    yonas hawena beluts bemedebateka yemesgen , sorry gen interviw tegeberelom sebat hasabatom keweduo edel habom tekolalefom aleka , mere mere comment endahabeka

  • @robelgerie4941
    @robelgerie4941 7 หลายเดือนก่อน

    ሰላም ዮናስ ከመይ ኣለካ እታ ናይ ወዲ ሓደራ ትረካ አባ ኣቕርበልና ብጃኻ

  • @fesfalem
    @fesfalem 7 หลายเดือนก่อน

    Yonassss Tahwak Nabey Eka tgoyi Xin elka msma awedayo please

  • @Tarikeritrea
    @Tarikeritrea 7 หลายเดือนก่อน

    ናይ ሎሚ መደብኩም፡ብብዓል ሞያ ተሰነየ ብምዃኑ፡ኣዝዩ ጥሉል ዝኾነ ምኽሪ ረኺብናሉ ኣለና።
    የቐኔላና !

  • @sabaokbagergish2065
    @sabaokbagergish2065 7 หลายเดือนก่อน +1

    ሰላም ያዕቆብ ብጣዕሚ እየ አድኒቀካ፤ መልስኻ ኹሉ ናይብሐቂ ዝድነቅን ትምህርትኻን ፍልጠትካን እዩ ዘርኢ። ❤❤❤❤

  • @biniamweldemichaelb9384
    @biniamweldemichaelb9384 7 หลายเดือนก่อน

    Yonas good job But Interrupted the interview, please.❤🇪🇷

  • @sammiku5970
    @sammiku5970 7 หลายเดือนก่อน

    Aymselka eza gal kabaka nilali ninebsa eya hasa. Stubuk dela keymesleka.

  • @lemlemmesfin4108
    @lemlemmesfin4108 7 หลายเดือนก่อน +1

    Ajoka brother you have a bright life don’t worry be strong take care yourself

  • @K.A.K.M480
    @K.A.K.M480 7 หลายเดือนก่อน +1

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ኢዩ ሰብ ሞያ ምምጻአ ውን ደስ ዘብል ኢዩ ብፈላይ ዮናስ ተምጸኦም ዘለኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ብዙሕ ኣሎ ዘይተገልጸ ክግለጽ ኣለዎ

    • @zaidtewelde2368
      @zaidtewelde2368 7 หลายเดือนก่อน

      ጽቡቅ ኣለካ ወይ ኣለኪ !!👍🏾

  • @Yordanosgebru-h6y
    @Yordanosgebru-h6y 7 หลายเดือนก่อน

    Tlmet ab wedi ykun gal klu hade u kanzu :ezom kulom abotat wshma hizom bwesen zweldu dea nabey shelel nblom alèna /Tlmet zelo n znbern u ab wedi tebaetay kem lmud wesidna ab gal anstyti gn newri gierna nkoxro alena ,bklitiu wegen newri u tlmet nbel .

  • @ermyasgerye
    @ermyasgerye 7 หลายเดือนก่อน

    Waxit sidat sirahka yatfulka bhidri koribatka yaganyka yasruna himak gorom ytimutuna dikas tisan kabalam kam eritrea

  • @babujam1
    @babujam1 7 หลายเดือนก่อน

    Thank you Yonas and Yaqob. Yonas you are a professional interviewer ❤

  • @fesfalem
    @fesfalem 7 หลายเดือนก่อน

    Yonas xbuk medeb gin Tahwak Aleks btami

  • @ermyasgerye
    @ermyasgerye 7 หลายเดือนก่อน

    20 warhi bzay gabarkwo garmanawyan asiromini bdhru aygidinin

  • @jonmichael8595
    @jonmichael8595 7 หลายเดือนก่อน +1

    Ab America iye znebr. B chinket ynebr aleku 😭

    • @sammiku5970
      @sammiku5970 7 หลายเดือนก่อน

      Amlak msaka ykun tekilki/tekilka beynka aytkun mis sebterakeb ab eishtika delo astenfso.

  • @zetamful
    @zetamful 7 หลายเดือนก่อน

    To get marrage is not must why people got problem because of relasionship. Why not you stay single

  • @berhanemeskelkidane
    @berhanemeskelkidane 7 หลายเดือนก่อน +1

    ጽቡቕ ምኽሪ ንሓውና ከኣ "ኣጅኻ ኢድካ ኣይትሃብ "!ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

  • @delamieri1747
    @delamieri1747 7 หลายเดือนก่อน

    Bravo that's my thought, hade side hizka mfrad ymesl neru

  • @delamieri1747
    @delamieri1747 7 หลายเดือนก่อน

    N Ato Yacob abey kinrekbo nikeal, ab Eritrea seb kerakbo deliye

  • @dingladegoyta4140
    @dingladegoyta4140 7 หลายเดือนก่อน +2

    ደስ ዝብል መደብ ቀጽሉዋ በጃኩም❤❤

  • @Eritreath
    @Eritreath 7 หลายเดือนก่อน +1

    Btami tbuk des dbli hasab nketali amtaulna Btami mahari eyu ykenelna yonas and Doctor

  • @bereketghebrengus1100
    @bereketghebrengus1100 7 หลายเดือนก่อน

    Xbuk medeb kexlwo yonas hawna thanks 🙏 xbuk medeb

  • @tirhasbiedu9779
    @tirhasbiedu9779 7 หลายเดือนก่อน

    Btaemi xbuq tmhrtn mkhrn yqenyelna thanks too teacher

  • @K.A.K.M480
    @K.A.K.M480 7 หลายเดือนก่อน +1

    ብጣዕሚ ንፉዕ ካኣ ብዓል ሞያ ናብ ህዝቢ ምምጻአካ ንፉዕ ቀጽልዋ

  • @nohimini750
    @nohimini750 7 หลายเดือนก่อน +1

    Wawww love it and very interesting topic thank you for sharing Yoni❤

  • @meditationminutes985
    @meditationminutes985 7 หลายเดือนก่อน +2

    ወይ ጉድ ሕማቕ ግዜ 😢 አጆካ ዝሓወይ

  • @ye1280
    @ye1280 7 หลายเดือนก่อน

    Wow btami hanaxi hasab ,kemziom seb Moya ketmxealna please 🙏.

  • @abhiweteyeyezeneber
    @abhiweteyeyezeneber 7 หลายเดือนก่อน

    Yonas enquae beselam metsaekum begaka natsa gedefo melue mekri keekeseb begaka ademelna degagimka moyawi mekri kelil aykonen yegenyelna yakob tesfa negeber ketmelesna

  • @leterfaleteklit
    @leterfaleteklit 7 หลายเดือนก่อน

    Dekeka yerei ne mesaika temte hawey tetenika temso negre yelen

  • @tesfamichaelmebrehatu841
    @tesfamichaelmebrehatu841 7 หลายเดือนก่อน +1

    Specially today’s discussion with brother Yacob hails.

  • @zeweldihaile2718
    @zeweldihaile2718 7 หลายเดือนก่อน

    ጽቡቕ ምኽሪ ቀጽልዎ ዮናስ ምስ ወዲጀበሊ። ብተወሳኺ ከምዚኣቶም ምሁራት ብምቕራብ ብቕዓት ምኽርኹም ምግምጋምኩምውን ኣዝዩ ጽቡቕ ኾይኑ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ክትገብሩ ሓጋዚ እዩ፡፡

  • @taz3739
    @taz3739 7 หลายเดือนก่อน

    አጆኻ ዝሓወይ ፈጣሪ ምሳኻ ይኹን❤

  • @lemlemluulay6843
    @lemlemluulay6843 7 หลายเดือนก่อน

    ጋዜጠኛ ዮናስ ሓውና ኩሉ መደባትካ ጽቡቅ'ዩ መሃርን መዛናግዕንዩ ንምሁር ሓውና ዶክተር ያዕብ ምምጻእካ ድማ ነመስግነካ እንተኮነ ግን ናይ ወዲ ጀበሊ ድማ ኣቃሊል ዝርኤ ኣይኮነን ኣዝዩ ንፉዕዩ በሊሕዩ ኩሉ ግዜ ኣምጽኣዮ ግን ከምዚ ናይ ሓውና ዘጋጠሞ ጸገም ብፕሮፈሽናል ክሕገዝ ይሓይሽ❤❤❤

  • @yordanosbeyene4538
    @yordanosbeyene4538 7 หลายเดือนก่อน

    ናይ ሎሚ ካብ ናይ ካልእ ግዜ ዝበለጸ መደብ ንናይ አእምሮ ኪኢላ አቶ ያቆብ ዘምጻካልና ነመስግነካ ዮናስ።ወዲ ጀበሊ ክእለቱ ንሰባት ምዝንጋዕ ዋዛ ምስ ቁም ነገር እንዳሐወሰ ስለ ዘዘናግዐና ኢዩ።አብዚ ናይ ኩቱር ጭንቀት ዘጋጥሞም ዘሎ ዜጋታትና ግን ብዐቢኢ ካብሃገርናን ባህልናን ልምድናን ርሒቅና ሰለ ዘለና ነቲ ሃዋሁዉ የጋድዶ አሎ።ነዚ ነገር ሰብ ሞያ ምክሪ ክልግሱ ከለዉ ዝበለጸ ይኮዉን ተተካኢሉ አብዝቅጽል መደባትካ እንተተምጽኦ ናይ ዝተፈላለዩ ዉልቀ ሰባት ጸገማት ሊስት ሒዝካ ጸኒሕካ ንዶክቶሮ ያቆብ እንተትሐቶ አፈታትሐ ሽግራት ኢዩ ሰብ ዘይ ፈልጦ ዘሎ እንበር ሽግር ደአ ምስ ሰብ ኢንዲዩ ተፈጢሩ።ዮናስ ከአ ማራ ሳሚዒታዊ judgmental ትኮዉን አለካ ብፍላይ ደቂ አንስትዮ ተኮይነን።አብ ሰብአይ ይኩን ሰበይቲ ክልቲኦም ኡሙናት ተዘይ ኮይኖም ኢቲ ጌጋ ሐደ ኢዩ።አብ ሪእሲ ቃል ኪዳኖም ዝዝምዉ ዝደቅሉ ብHIV ነንስቶም ዝልክሙ ደቂ ተባዕትየ ሪኢካን ሰሚዒካን አይትፈልጥን ዲካ???።እቲ ዘገርመና ዘሎኮ አብ ደቂአንስትዮ ሃገርና ልሙድ ስለዘይኮነ ኢዩ።ሰለዚ እቲ ጠንቃ ቢዚሕ ክከዉን ይክእል ኢዩ ገሊኦም ነዘን አብደገ ዝነብራ የሕዋትና ገዲፎም ነተን ናይ economy ጸገም ዘለወን አብ አፍሪቃ ዘለዋ ኢዮም ዝመርጹ እቲ ናተን ድካምን ጸገምን ተጠቂሞም ብገንዘብን ብናይ ደገ ምዉጻእ ዕድላት ፈጢሮም አብ ትሕቲ ቂጽጽሮም ዘእትዉዋ ጋል ኢዮም ዝመርጹ ዘለዉ።አብፍቅሪ ዘይአምኑ ንሳተን ከአ ብወገነን ከምዚአ ይፈድይኦም አለዋ።አብ ሃገርካ ተዝከዉን ከማን ቤተሰብካን ፈተዉትካን እንታይ ዐይነት ጋል ከምዝኮነት ክሐቱልካ ምከአሉ አብስደት ግን ክንደይ ዝተባላሸወ አእምሮ ኢዩ ዘሎ ብክሊቲኡ ብጋል ዩኩን ብወዲ ስለዚ መጻምድቲ ምድላይ ቀሊል አይኮነን እሞ do your homework thoroughly እንተዘይኮዩኑ ሳዕቤኑ ኢዩ ዝከፍእ

  • @erisan132
    @erisan132 7 หลายเดือนก่อน

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ኣስተምህሮ ቀጽልዎ። ዮናስ ኣገዳሲ ኢኻ ነዞም ኣብ ደገ ንነብር ይቐንየልና።

  • @AmanuelMehari
    @AmanuelMehari 7 หลายเดือนก่อน +3

    Welcome Yonas❤❤❤

  • @samsonelias2971
    @samsonelias2971 7 หลายเดือนก่อน

    Yoni please use sound effect or any other means, i know this brother. So please it is not good to expose. He is a good guy, you van see his pure heart. He really need a counselor. And this will help him for sure And others with relevance.

  • @meharimebrhatu4839
    @meharimebrhatu4839 7 หลายเดือนก่อน

    Medebkum kulu gize eye zketatelo des eyu zbleni nfuaet kexlwo
    Kem hasabey kea etom enda feletu zegagyiwen zelewuu kem seb kiwalwo ke mglaxuu adlayi koyinu yismeani hlna zeybluu eyu kemzi zgebr xegem abana ab awedat keyikewn nay abotatna bhari ayiweresnan

  • @anditgebrehawaria6796
    @anditgebrehawaria6796 7 หลายเดือนก่อน

    Bmejemeria yonas amlak xegu yebzhalka bmkxal n yakob tetekrbelna azyu temeraxi eyu

  • @freemind5454
    @freemind5454 7 หลายเดือนก่อน

    Ezom atnesom zemetswen ke ane eza ktmlusuley medeleku😅😅😅

  • @WediSawaMendelay
    @WediSawaMendelay 7 หลายเดือนก่อน

    Mihur si mihur dea ewayyy azerarba bhaki des zbil nukul ab gmit zetewe ❤

  • @awettesfay1165
    @awettesfay1165 7 หลายเดือนก่อน

    Xbuk medeb btaemi znead moyawyan medam, gn tonas eti htoka wey elalka nay yeruk(friends) gerkayo, nbri neaka zredeaka wegen kttewyo tftn aleka tedegagami gzye, beal moya b moyawi agelalxa kzareb endafetene nska gn ab mongo teateo hansab kea nay yeruk elal gerkayo, ezien yeryen nkexali . Good job

  • @mahmmudmahammedsaid8651
    @mahmmudmahammedsaid8651 7 หลายเดือนก่อน

    ዮኒ ብጣዕሚ አገዳሲ አርእስቲ ዩ ቀጽልዋ,ያቆብ ሓውና ኸአ የቀንየልና

  • @ሴም
    @ሴም 7 หลายเดือนก่อน

    Ane zfeleten buzhat alewa mekalake tnse geren dqbolom endehr qal kidan aserika se emo bzey nay kilteka simeme ezen nakum .Aykonan eyen mexanehe eyen ztqemalka kabu dahar tnse hizatlka timxe burus kiselten ms qereba nay kale hzenalka ymexa eze haram

  • @temesgenamlak4301
    @temesgenamlak4301 7 หลายเดือนก่อน

    ኣጆኻ ዝሓወይ ካብዚ ዝኽፍእ እውን አሎ ምቕባል'ዩ

  • @hidryhidry7238
    @hidryhidry7238 7 หลายเดือนก่อน

    ዋው፡ ያቆባ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ሞያዊ ምኽሪ።

  • @anseba2838
    @anseba2838 7 หลายเดือนก่อน

    What a professional, we need to hear more of Mr. Yakob Haile

  • @tesfamichaelmebrehatu841
    @tesfamichaelmebrehatu841 7 หลายเดือนก่อน

    Hi Yonas how you doing men I really appreciate your program

  • @tesfiemichael9123
    @tesfiemichael9123 7 หลายเดือนก่อน

    ምስ ፈጣሪ ሻሂ ስትየ.. ዝብሉ አለው!!!... ጴንጠ

  • @yordanossahle6383
    @yordanossahle6383 7 หลายเดือนก่อน

    Segoga eka Atereza eka sedi eya entay kitegeberelka ezi

  • @hanahabtemariam4103
    @hanahabtemariam4103 7 หลายเดือนก่อน

    Bitaimi tibok ketilo des zibil mikiri❤❤❤

  • @semharweldetnsae6420
    @semharweldetnsae6420 7 หลายเดือนก่อน

    Yacob Haile my dearest colleagues,God bless you bro

  • @regatgebreu9130
    @regatgebreu9130 7 หลายเดือนก่อน

    ❤❤❤❤❤ well done, great show, thanks so much ❤❤❤

  • @yeebyotesfa3694
    @yeebyotesfa3694 7 หลายเดือนก่อน

    ኤፐ እንታይ ዝበልዋ ጸገም እዩ ኣጆኻ ሓውና❤❤❤

  • @dawitalem4282
    @dawitalem4282 7 หลายเดือนก่อน

    Xbuq medeb yoni

  • @medhaniebaire7840
    @medhaniebaire7840 7 หลายเดือนก่อน

    Welcome deki Eria jeganu

  • @yosieftekle9153
    @yosieftekle9153 7 หลายเดือนก่อน

    Ajoka hawey amlak msalka eyu

  • @Aman80770
    @Aman80770 7 หลายเดือนก่อน

    🇪🇷📚🇪🇷📚🇪🇷📚Yaqob🇪🇷📚🇪🇷📚🇪🇷❤️🙏👈

  • @kahsaygebreamlak6908
    @kahsaygebreamlak6908 7 หลายเดือนก่อน +1

    ብጣዕሚ ጽቡቅ ማዕዳ ቀጽሉሉ 🇪🇷❤️✅

    • @bahtaleake5969
      @bahtaleake5969 7 หลายเดือนก่อน

      Nay bahaki des zbl agelalxa kubur tiena Aemro nemesgneka

    • @bahtaleake5969
      @bahtaleake5969 7 หลายเดือนก่อน

      Journalist yonas Abraham nezi medeb zi mikrabka kibran Adnakotn( respect and admiration) ygbaaka

  • @mebratberhane7402
    @mebratberhane7402 7 หลายเดือนก่อน

    Agoka kalie Rae Aloka Bertie. ❤❤❤❤❤

  • @kibatokqbagergis2874
    @kibatokqbagergis2874 7 หลายเดือนก่อน

    Nay behik

  • @tsegaymussie4179
    @tsegaymussie4179 7 หลายเดือนก่อน

    👍

  • @samihaile7222
    @samihaile7222 7 หลายเดือนก่อน

    ❤❤

  • @idrisjabir8695
    @idrisjabir8695 7 หลายเดือนก่อน

    Brilliant 👏 👏

  • @ergitergso335
    @ergitergso335 7 หลายเดือนก่อน

    Yoni eza medeb gidefa

    • @zetamful
      @zetamful 7 หลายเดือนก่อน

      Hahaha why ?

  • @Aman80770
    @Aman80770 7 หลายเดือนก่อน

    🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷🇪🇷❤️🇪🇷❤️አጆኻ ወዲ ኤረይ ጋል ተኸደት ጋል ትመጽእ አጆኻ ንሂወትካ ሕሰበላ ሓቢቢ ናተይ ። ። ።🙏👈

  • @amanuelyifter5501
    @amanuelyifter5501 6 หลายเดือนก่อน

    Your what's up member plc