ሰላዕ ሚዳያ /Sela'e Media
ሰላዕ ሚዳያ /Sela'e Media
  • 10
  • 466
በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ ወእሰግድ ውስተ ጽርሐ መቅደስከ ወእገኒ ለስምከ መዝ. ፻፴፯ ፡ ፪ ቅዱስ ዑራኤል
✍️ ዕለት 22/04/2017 ዓ/ም
ምስባክ "በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ ወእሰግድ ውስተ ጽርሐ መቅደስከ ወእገኒ ለስምከ መዝ. ፻፴፯ ፡ ፪"
👉 ክንበብ ዝግበኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲታት
👉ሉቃስ 1:21-39
👉ጢሞ 2ይ: ምዕራፍ 1:8-መወዳእታ
👉ዮሐ 1ይ ምዕራፍ 4:9-18
👉ግብ ሃዋ 12:7-12
👉ሉቃ 1:39-67
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ኡራኤል
👉 ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም።
👉 ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ- 👉 ስብሐቲከ / ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ። እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4 ራእ 4፡8 ) ሓደ ካብቶም 7ተ ሊቃነ መላእክት ዝኾኑ ቅዱስ ኡራኤል እዩ።
👉 ኡራኤል ማለት “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ” ዝብል ትርጕም ኪህልዎ ኸሎ፡
👉 ኣብ ሓሓደ ጽሑፋት’ውን “ሱርያል” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ሱርያል ኸኣ ዓሌት እግዚአብሔር ማለት እዩ።
👉 ቅዱስ ኡራኤል ንእግዚአብሔር ካብ ምምስጋን ኃሊፉ፡ መብረቕ ዝእዝዝ ናይ ብርሃናት መራኂ ከምዝኾነ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል “ኡራኤል ካብ ልዕሊ ነጐድጓድን መብረቕን ዝተሸመ መልኣኽ መጽአ” (ሄኖ. 6፡1-6)
👉 ቅዱስ ኡራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን
1. ንኣቦና ኣዳም ዜና ናይ ድኅነት ዝነገሮ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር)
2. ንኣቦና ሄኖክ ምሥጢር ናይ ሰማይ ዘርኣዮን ፍልጠት ዝገለጸሉን ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ሄኖ. 28)
3. ንኣቦና ዮሴፍ ካብቲ ብመንገዲ ሰበይቲ ጲጢፋራ ገጢምዎ ዝነበረ ፈተና፡ ብርትዐን ኃይልን ሂቡ ዘድሓኖ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር)
4. ብዘመነ ብሉይ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ኣብ መጽሐፈ ዕዝራ ሱቱኤል እዩ። ነቢይ ዕዝራ ምሥጢር ጥበብ እግዚአብሔር ንኽገልጸሉ ኣብ ምድረ ራፊድ መሪር ንብዓት ኣሰንዩ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ብድኅሪ እዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽዋዕ ልቡና ንኸስትዮ ንቕዱስ ኡራኤል ኣዘዘሉ። ቅዱስ ኡራኤል ነዚ ልቡናን ጥበብን ዝህብ ናይ እሳት ጽዋዕ ኣስተዮ እሞ ዕዝራ ሱቱኤል ብኡ ንብኡ ነቶም መጻሕፍቲ ብሉያት ኸኣ ብሓድሽ ጽሒፉ ኣብ 6 መዓልቲ ወድኦ። (መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል)
👉 ቅዱስ ኡራኤል ኣብ ሓዲስ ኪዳን
1. ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቀትለላ ኢላ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደደትሉ ጊዜ ምስኣ ሓቢሩ ብምኻድ ዘገልግሎም ዝነበረ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ድርሳነ ኡራኤል)
2. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዘፍሰሶ ዝነበረ ኽቡር ደሙ ፡ ኣብ ጽዋዕ ተቐቢሎም ናብ ዓለም ካብ ዝነጸጉ መላእኽቲ ሓደ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። ኣብቲ ደም ክርስቶስ ዝነጠቦ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተሓንጸን ብሕጂ’ውን ከም ዝሕነጽ ኣብቲ ድርሳኑ ተጻሒፉ ኣሎ።
3. ሓደ ጳዎሎስ ዝበሃል ሶርያዊ ሰብኣይ ነበረ። ጳውሎስ ዘእስሙናይ እናተባህለ’ውን ይጽዋ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዘእስሙናይ ንእግዚአሔር ዘፍቕርን ከም ፍቓደ እግዚአሔር ሕይወቱ ይመርሕ ብምንባሩ፡ በቲ ጊዜ ብዝነበረ ኣረማዊ መኰንን እታ ሃገር ጸዋትወ መከራ ኣብ ዝተቐበለሉ ጊዜ ኻብቲ መከራኡ ዘድሓኖን እናመጽአ ዘጸናንዖን ዝነበረ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር የካቲት 9)
4. ኣብ 12ተ ክፍለ ዘመን ሕዝበ ጽዮንን እምነ ጽዮንን ዝበሃሉ ሰብ ውላድ ስለዘይነበሮም እናሓዘኑ ንእግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ወይሁቦ ጸሎቶ ለዘጸለየ/ ነዚ ዝጽሊ ጸሎቱ ይህቦ እዩ። ከም ዝብል ልማኖኦም ሰሚዑ ብ1357 ዓ.ም. ንቕዱስ ኡራኤል ልኢኹ ወዲ ከምዚወልዱ ስሙ’ውን ጊዮርጊስ ኢሎም ከምዚሰምይዎ ነገሮም። እዞም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ወዶም ወዲ 6ተ ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ሓይቅ ገዳም ናብ ዝነበሩ ሠረቀ ብርሃን ዝበሃሉ መምህር ንኺመሃር ሰደድዎ። ጊዮርጊስ ዋላ እኳ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ገዳም እንተጸንሐ ሓንቲ ፊደል’ውን እንተኾነት ኺቖጽርን ክሕዝን ስለዘይከኣለ ናብ ገዝኡ ሰደድዎ። ሕዝበ ጽዮን ግና “እዚ ሕጻን ንእግዚአብሔር ከም መብጽዓኣይ እየ ሂበዮ እሞ ምሳኹም ይኹን ኢሎም ነቶም ገዳማውያን ሃብዎም። ብድሕር’ዚ ጊዮርጊስ ነቶም መነኮሳት እኽሊ እናጠሓነ፡ ማይ እናወረደ ፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ይነብር ነበር። ሓደ ጊዜ ኣብ ስእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ተንበርኪኹ እናደለየ ኸሎ፡ ቅዱስ ኡራኤል ጽዋዕ ልቡና ሒዙ ብምምጻእ ኣስተዮ። ብድሕር’ዚ ምሥጢር ሰማይን ምድርን ተገሊጽሉ ፡ ካብ ኣርብዓ ንላዕሊ ዚበዝሑ መጻሕፍቲ ደረሰ። (መጽሓፈ ኣርጋኖን፡ መእትዊ)።
👉 ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ፡ ቅዱስ ኡራኤል ንዕዝራን ኣብ ጊዮርጊስን ጽዋዕ ልቡና እናኣስተዮ ከምኡ’ውን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጊዜ ስደት ናብ ግብጺ እናኣገልገላ ዝገልጹ ኣሳእል ኣለዉ።
ኡራኤል መልኣክ ብብርሃን ጽዋዕ ፍቅሪ ሃበና
ጥበብ ምስትውዓል ንኽገልጸልና
ንመንገዲ ጐይታ ንኸፍልጠና
ኡራኤል መልኣኽ በጃኻ ርድኣና
ጸሎትካን ተራዳእነትካን ወትሩ ኣይፈለየና!!!
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን
มุมมอง: 30

วีดีโอ

ኦ ድንግል ኦ ምልእተ ዉዳሴ በመኑ ወበ ኣምሳለ መኑ ናስተማስለኪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ
มุมมอง 4716 ชั่วโมงที่ผ่านมา
✍️በዚ ዕለት(21-4-2017) ክንበብ ዝግበኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲታት 👉ሉቃ ምዕራፍ 10: ካብ ቁጽሪ 1:12 👉ገላትያ ምዕራፍ 2: ካብ ቁጽሪ 1:14 👉ቄላስይስ ምዕራፍ 4: ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ መወዳእታ 👉ይሁዳ ምዕራፍ 1:17- መወዳእታ ምዕራፍ 1: ካብ ቁጽሪ 17 ክሳብ መወዳእታ 👉ግብ ሓዋር ምዕራፍ 11: ካብ ቁጽሪ 23 ክሳብ መወዳእታ 👉ሉቃ ምዕራፍ 1: ካብ ቁጽሪ 17 -34 ምስባክ ድማ 👉ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኅብርት ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአጽምዒ ዕዝነኪ ርስዒ ሕዝበኪ ወቤተ አቡኪ መዝሙር 44 ካብ ቁጽሪ 9- 10 መዝሙር 44 ካብ ቁጽሪ 9- 10 #ኦርቶዶክስተዋህዶሃይማኖት #tt...
ወረብ ኣክሱም ጽዮን /Axum Zion church Songs and sprituals Rythms, 2024
มุมมอง 62หลายเดือนก่อน
The songs and spiritual rhythms associated with the Axum Zion Church are deeply rooted in the Tigray Orthodox Tewahedo Church tradition. These hymns and chants are a blend of ancient Ge'ez liturgical texts and rhythmic patterns that evoke a profound spiritual connection. Here are the key aspects: 1. Types of Songs and Spiritual Rhythms Mahlet (ማህሌት): These are hymns of praise dedicated to St. M...
ስርዓተ ምህላ ዓመታዊ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣብ ኣኽሱም ከተማ፣ ሕዳር 2024/ Annual St. Zion Celebration in Axum, November 2024
มุมมอง 78หลายเดือนก่อน
The St. Zion Celebration in Axum, Ethiopia, is an extraordinary annual event that merges deep spiritual significance with rich historical heritage. Scheduled for November 2024, this celebration commemorates one of the most sacred occasions in Ethiopian Orthodox Christianity, honoring the Ark of the Covenant's connection to Axum and the ancient St. Mary of Zion Church. A Festival of Faith and Un...
ይትባረክ እግዚኣብሔር መዝሙር ተዋህዶ ብኣንደበት ኣሓትና
มุมมอง 31หลายเดือนก่อน
#መንፈሳዊ መዝሙር ተዋህዶ እምነት #መንፈሳዊሚድያ #habesha #orthodoxfaith #orthodoxy #orthodox #orthodoxpresbyterianchurch #TTOC
መዝሙራት ዓይኒ ዋሪ / ኣሸንዳ በዓል ኣብ ኣኽሱም Ayni Wari /Ashenda Celebration in Axum
มุมมอง 553 หลายเดือนก่อน
Ashenda is a vibrant cultural and religious festival celebrated in Tigray, Ethiopia, particularly in the historical city of Axum. This festival marks the end of a two-week fasting period dedicated to the Virgin Mary. It symbolizes the strength, beauty, and grace of women and is deeply rooted in the traditions of the Axumite Orthodox Church. Women and girls adorn themselves in colorful, traditio...
ኣብ በዓል ዓይኒ ዋሪ ሰንበት ተማሃሮ ከርሲ ዘለምልም መዝሙርን ወረብን ኣብ ኣኽሱም ጽዮን 2024 Wereb Hyms &Spritual songs
มุมมอง 974 หลายเดือนก่อน
#AyniWari #AyniwariAxum #axumawian #axumtoday #AshendaFestival #Ashenda2024 #CelebrateAshenda #EthiopianCulture #TigrayTraditions #CulturalFestivals #SaintMaryAssumption #EthiopianFestivals #TigrayCulture #EritreanCulture #TraditionalDances #CulturalHeritage #WomenEmpowerment #AfricanFestivals #MekelleCelebrations #AshendaVibes #EthiopianOrthodox #TigrayCommunity #VisitEthiopia #DiscoverTigray
ኣብ በዓል ዓይኒ ዋሪ ሰንበት ተማሃሮ ከርሲ ዘለምልም መዝሙር ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ጽዮን እንተቕርባ 2024Hyms&Spritual songs
มุมมอง 74 หลายเดือนก่อน
#AyniWari #AyniwariAxum #axumawian #axumtoday #AshendaFestival #Ashenda2024 #CelebrateAshenda #EthiopianCulture #TigrayTraditions #CulturalFestivals #SaintMaryAssumption #EthiopianFestivals #TigrayCulture #EritreanCulture #TraditionalDances #CulturalHeritage #WomenEmpowerment #AfricanFestivals #MekelleCelebrations #AshendaVibes #EthiopianOrthodox #TigrayCommunity #VisitEthiopia #DiscoverTigray
መንፈስካ ዘሕድስ መንፈሳዊ መዝሙራት ኣብ ድሮ በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣክሱም 2024 Axum
มุมมอง 474 หลายเดือนก่อน
#AyniWari #AyniwariAxum #axumawian #axumtoday #AshendaFestival #Ashenda2024 #CelebrateAshenda #EthiopianCulture #TigrayTraditions #CulturalFestivals #SaintMaryAssumption #EthiopianFestivals #TigrayCulture #EritreanCulture #TraditionalDances #CulturalHeritage #WomenEmpowerment #AfricanFestivals #MekelleCelebrations #AshendaVibes #EthiopianOrthodox #TigrayCommunity #VisitEthiopia #DiscoverTigray
ነፍሲ ዘረስርስ ናይ ድሮ ዓይኒ ዋሪ መንፈሳዊ መዝሙራት ክፋል 1 Hymns and Songs of Ayni Wari Part 1
มุมมอง 154 หลายเดือนก่อน