ሓዳር ዘሰልቸወኩምን ዘፍራሓኩምን ነዘን 6 መምርሕታት ብምኽታል ፍቕርን ሰላምን ኣስተማቕሩ
ฝัง
- เผยแพร่เมื่อ 8 ก.ย. 2024
- ሓዳር ዘሰልቸወኩምን ዘፍራሓኩምን ነዘን 6 መምርሕታት ብምኽታል ፍቕርን ሰላምን ኣስተማቕሩ #lbonamedia #eritreanmotivation #marriage #ሓዳርግርጭት #ኣፈታትሓግርጭትኣብሓዳር
ኣብዛ ቪድዮ፡ ኣብ ሓዳር ንዘጋጥም ግርጭታት ንምፍታሕን ንመጻምድቲ ጠቓሚ ናይ ዝምድና ምኽሪ ንምሃብን ዝበለጸ መገድታት ክንዛተየሉ ኢና። ኣብ ሓዳርኩም ናይ ርክብ ሕቶታት፡ ፋይናንሳዊ ዘይምርድዳእ ወይ ካልእ ብድሆታት የጋጥመኩም ይኹን፡ እዞም ኣብ ሓዳር ንዘሎ ግርጭት ንምፍታሕ ዝጥቀሙሉ ስልትታት፡ ኣብ ከቢድ እዋን ክትጓዓዙን ርክብኩም ከተደልድልን ክሕግዙኹም ይኽእሉ። ርክብ ንምምሕያሽ፡ ምትእምማን ንምህናጽን ጥዑይ ሓዳር ንምዕባይን ዝሕግዙ ግብራዊ ምኽርታትን መሳርሕታትን ንምፍላጥ ክሳብ መወዳእታ ተኸታተሉ። ግርጭታት ክፈላልየኩም ኣይትፍቀደሉ - ንዕኡ ንምፍታሕን ከም መጻምድቲ ንኽትቀራረቡን ንጡፋት ስጉምትታት ውሰዱ።
© Copyright: Lbona Media
Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.
ናይ ብሓቂ ቁኑዕ ምኽሪ እግዚኣብሄር ኣብዚሑ ይባርኽካ ዓቢ ሰብ
ኣሜን ክብረት ይሃበለይ❤❤❤
ብጣዕሚ ጽቡቅ ሓሳብ ኢዩ፡ (ደስ ዘብል)ምክርን ሓሳብን ኢዩ ዝሓወይ ናይ ኣጎልግሎት ዘመን ዕድሜካን ጥዕናካን ይባርኸልካን ይቐድሰልካ እግዚኣብሄር ኣምልክ።
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ብሩኽ ሓወይ እግዝኣብሔር ይባርካ❤❤❤
Thank you ❤❤❤🙏
Wawww btaemi xbuk medeb 🥰🥰🥰🙏🙏🙏
ክብረት ይሃበለይ❤❤❤
ብሓቂ ጎበዝ ግን እንድሕር ዘይተሠማማዕ ተኾንኻ ምፍልላይ አይሓይሽን::
የቐንየለይ ናብ ሕቶኺ ክምለስ ምፍልላይ ኣማራጺ ዘይኮነ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኢዩ። ኩሉ ኣማራጽታት ተጠቕምካ ክትራዳዳእ እንተዘይ ክእልካ ግን ብሰላም ክትፈላለ ግድን እዩ።
Haqi3
የቀንየልና ክቡር ሓው አነ ምስ ብዓል ገዛይ ንብዙሕ ግዜ ንጨቃጨቅ ኢና ድሕር ብዙሕ ግዜ ከዓ ንረዳዳእ ግን ከምዙይ ከምዙይ አይትግበር ጌጋ ኢኻ ዘለኻ ክብሎ ከለኹ ንግዜኡ እሺ ይብል ግን ገድዱ ይፀንሕ መሊስና ናብቲ ዝነበርናዮ ንምለስ በቃ ጭንቅ እሉኒ እንታይ ክገብር አለኒ ተገዲስካ መልሰለይ ክቡር ሓው❤
ሰላም ሓፈተይ ናተይ ንሕቶኺ ቀጥታውን ልክዕ መልሲ ክህብ የጸግመኒ እዩ ምኽንያቱ ንኹነታትኩም ብትኽክል ስለዘይፈልጦ፡ ብዝኾነ ምስ ነብስኺ እምንቲ ኮይንኪ ሱር ጸገምኩም መርምሪ ምኽንያቱ ምስማዕ እንተ ኣብይኪ ምናልባት እቲ ጸገም ካባኺ ይብገስ ከይህሉ ርግእ እልኪ ሕሰቢ። እቲ ጸገም ካብኡ ዝብገስ እንተኾይኑ ተዳጋጋሚ ተመሳሳሊ ጌጋ ዝፍጽም እንተኾይኑ ንሓዳርኩም ከኣ ብኣሉታ ዝጸሉ እንተኾይኑ ብዕትበት ኣዘራርብዮ።
Thank you
❤❤❤
tebarke hewena ❤❤❤❤
❤
Amen
thank you sleti hanaxi zhabkana mkri btaemi nemesgn Ajoka ❤❤❤
Thank you ❤️❤️❤️
❤
ገንዘብ ከፍልካ ዘይትረኽቦ ብልጽ ትምህርቲ ጥዕና ይሃብካ ሓውና።
ኣሜን ክብረት ይሃበለይ ፈጣሪ
💙💚💙
ብልቢ እንዳ ኣምስገና ጡዑም መኽሪ ይቀጽልዎ
የቐንየለይ ኣነ'ውን የመስግን
Braemi xbuck medeb kexlo ❤❤
Xbuk agelalxa kexlo
Kbret yhabeley Almaz haftey ❤️❤️❤️
Kexilo wedi kinfe shikorrrrr
ክብረት ይሃበለይ ኣማንኤል ሓወይ
ኩቡር ሓውና ኣዝዩ ጹብቕ ኣስተምህሮ ይቕንየልና. ብምቅጻል ክትራዳእ ኢልካ ንዛራረብ ኢልካዮ ረግጽካ ንዝኸይድ ሰብ እንታይ ትገብሮ ወይ ድማ ሰዓት ሙሉእ ተዛርብካ ውድካ ኢሉ ረግትጽካ ናይ ንዒቐት ምልክት ገርልካ ዝኸይድ ሰብ እንታይ ትገብሮ? በጃኻ comnent ኣንቢብካ መልሰልይ. Thanks
ዝኸበርኪ ክብራ ሓፍተይ ሕቶኺ ምስታ ቀዳመይቲ መምርሕት ትታኣሳሰር እያ ዝብል ርድእት ኣለኒ ማለት ንዝርርብ ዝምችእ ግዜ ምረጺ። ማለት ንስኽን በዓል ቤትክን ኣብ ጽቡቕ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ከምዘለኹም ኣረጋግጺ ቅድሚ ምዝርራብኩም። ሰብኣይኪ ባህ ዝብሎ ነገር ኣዳልኺ መግቢ፡ቡን ፡ጽቡቕ ክዳን ለብስኪን ጽርየት ኣካላቲ ሓልኺ ሕጉስቲ ኮይንኪ ቅረብዮ። ኣብ ልዕልኡ ፍቕሪ ከምዘለኪ ኣንጸባርቕሉ። ክብርቲ ሓፍቲ ኣብ ሓዳርና ናይ መጻምድትና ድልየታት እንተ ፈልጥና ቅድሚ ድልየታትና ድልየታቱ ክንምልስ ምስ እንፍትን ኣብ ዝኾነ ኩነታት ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና። ገለ ገለ ሰባት ግን ብባህርኦም ንዓይ ስምዕኒ ዝብሉ ኣሸገርቲ ሰባት'ውን ኣለዉ።
Yekenyena beteami xbuk Temhrti bezeaba Mesarhtka ke?
የቐንየለይ ናይ ሕቶኻ ምውልሲ ኣብ ቀጻሊ ከቕርባ ክፍትን ኢየ
ሓዳር ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ይብል ኣለኹ፡ ወዲ ሓዎቦይ😊እንተርኣኹም ግዳ ገለ በሉና😉 ብዝተረፈ ግን ብስም ሓዳር ዝመረሮም የመስግን!
ክቡር ሓው ሓዳር ኩሉ ገጻት ህይወት ዝሓቆፈ እዩ። ማለት ሓጎስን ጓህን፡ምውዳቕን ምትሳእን፡ጣዕምን ምረትን ዝሓቆፈ ኢዩ።ስለዚ ንሓዳር ነብስና ኣዳልና ሙሉእ ሓላፍነት ወስድና ምስ እንጅምሮ ሓጎሱን ጣዕሙን ይበዝሕ።ጽቡቕ ዕድል ይምነየልካ ሓወይ ናተይ።
ንባዕልኻ በዓል ሓዳር ዲኻ?
እቲ ዘገድስ እቲ ትምህርቲ ንዓኻ ማዕረ ክንደይ የገድስካን ይጠቕመካን ኢዩ ክቡር ሓው። ንሕቶ ክምልስ ግን እወ እዩ እቲ መልሲ ደስ ትብል ለባምን ኣኽባርት ሰብ ዝኾነት ምቕልልቲ በዓልቲ ቤት ኣላትኒ ሓወይ ናተይ።