Mezmur +++ ቃልካ ብርሃን'ዩ ጐይታይ +++ Qalka Berhan Eyu Goytay 8ይ ዓመታዊ በዓል ት/ሰ/ደ/ግ/መ/ዓ Part_10

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 5 ต.ค. 2024
  • 8ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። Dec 25, 2009
    Mezmur: Qalka brhan eu Goyta (ቃልካ ብርሃንዩ ጎይታ) , Sile Kulu WiEletki (ስለ ኩሉ ውዕለትኪ)
    ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።" መዝ 119 ፥105
    ቃልካ ብርሃንዩ ጎይታይ ንእግረይ
    ይመርሓኒ'ሎ ንዓይ ኣብ ሂወተይ
    ሕግኻ ኣብ ውሽጠይ ተተኺሉሎ
    ምሉእ ዘመነይ ይመርሓኒ'ሎ (2)
    ክዳን ኮይኑኒ ናይ ሂወት ቃልካ
    ኣይቆርርንየ ምሳይ ከለኻ
    መልክዐይ ኢኻ ናይ ውሽጠይ ድምቀት
    ግርማ ኮይኑኒ ናትካ በረኸት (2)
    ዘውደይ ኩነለይ ክብረይ ስልጣነይ
    ናይ ቃልካ ቅኔ ይምላእ መሶበይ
    ጥዑም ድምጽኻ ኣረስሪሱኒ
    ናብ ቤትካ ኣምጺኡ ሕይወት ሂቡኒ (2)
    ነቲ ማይ ሂወት ዋጋ ኣይከፈልኩን
    ንኽቡር ቃልካ ዲናር ኣይሃብኩን
    ዝጸምአ እንተሎ ይምጻእ ናብ ቤቱ
    ምሕረት ክረክብ ብበረኸቱ (2)
    ተተኺሉሎ ሕግኻ ኣብ ውሽጠይ
    ይመርሓኒሎ ምሉእ ሂወተይ
    ቅዱስ ቃልካዩ ግርማ ሞገሰይ
    ክኽደኖ'የ ንቃልካ ጎይታይ (2)

ความคิดเห็น • 103