ንሳ ትኸዶ ናብ ሞት የውርደካ by Amineab Ghebray

แชร์
ฝัง
  • เผยแพร่เมื่อ 19 ก.ย. 2024
  • [ መጽሓፍ ምሳሌ 5 ]
    1 ወደየ፥ ናብ ጥበበይን ምስትውዓለይን ኣቕልብ።
    2 ሽዑ ጠባይካ ጽቡቕ ኪኸውን እዩ፥ ኣዘራርባኻውን ፈላጥ ከም ዝኾንካ ኺገልጽ እዩ።
    3 ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይቲ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፥ ኣፋ ኸኣ ኻብ ዘይቲ ይልስልስ።
    4 ኣብ መወዳእታ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ።
    5 እቲ ንሳ እትኽደሉ መገዲ ናብ ሞት የውርደካ፥ ናብ ዓዲ ምዉታት ከኣ የብጽሓካ።
    6 በታ ናብ ሕይወት እትወስድ መገዲ ኣይትኸይድን እያ፥ ኰብላሊት እያ፥ ምዅብላላ ግና ኣይትፈልጦን እያ።
    7 ኣቱም ደቀይ፥ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፥ ነዚ ዝብለኩምውን ኣይትረስዕዎ።
    8 ካብዛ ሰብ እዚኣ ርሓቕ፥ ናብ ገዝኣውን ኣይትቕረብ።
    9 እንተ ዘይኮነ ኽብርኻ ኻልኦት ሰባት ኪወስድዎ እዮም፥ ብጨካናት ሰባት ክትቅተል ኢኻ።
    10 እወ፥ ጥሪትካ ኻልኦት ኪወስድዎ እዮም፥ ፍረ ድኻምካውን ናብ ካልኦት ኪኃልፍ እዩ።
    11 ኣብ መጠረስታ ኵለንትናኻ ምስ ተወድአ፥ ጻዕረ ሞት ኪኅዘካ እዩ።
    12 ሽዑ “ከመይ ንተግሣጽ ጸላእክዋ፧ ስለምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም፧
    13 ስለምንታይከ ድምፂ መማህራነይ ዘይሰማዕኩ፧ ስለምንታይከ ዘየድሃብኩሎም፧
    14 እንሆ፥ ብሃንደበት ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ተዋረድኩ” ክትብል ኢኻ።
    15 ከምቲ ማይ ካብ ዔላኻ፥ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ እትሰቲ፥ ኸምኡ ኸኣ ሰበቲ ኺዳንካ ኸይጠለምካ ርክብካ ምስኣ ጥራይ ይኹን።
    16 ከምቲ ንግዳም ዚፈስስ ምንጭታትካን ሩባታትካን ዘይጠቕመካ፥ እቶም ካብ ካልኦት ኣንስቲ እትወልዶም ውሉድ ድኃን ኣይህቡኻን እዮም።
    17 ደቅኻ ምስ ዓበዩ፥ ንኣኻ ደኣምበር ንኻልኦት ዜገልግሉ ኣይኹኑ።
    18 ብሰበይትኻ ተሓጐስ፥ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።
    19 ንሳ ፍትውቲ ዋላ፥ ጽብቕቲ ሜዳቚ ትኹነልካ፥ መልክዓ ይማርኽካ፥ ፍቕራውን ይምስጠካ።
    20 ኣታ ወደይ፥ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሓቊፍ፧
    21 እግዚኣብሔር ንዅሉ እቲ እትገብሮ ይርኢ፥ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ድማ ይቋመተካ።
    22 እቲ እኩይ ሰብ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፥ በግማድ ኃጢኣቱ ኸኣ ይእሰር።
    23 ርእሱ ሰኣን ምግታእ ይመውት፥ በቲ ዓቢይ ድንቊርናኡ ኸኣ ይቕበር።

ความคิดเห็น • 7

  • @selamawitweldemichael6712
    @selamawitweldemichael6712 8 ชั่วโมงที่ผ่านมา

    Amen Amen amlak yibrka ❤❤❤❤❤❤

  • @BetterTomorrowMH
    @BetterTomorrowMH วันที่ผ่านมา +1

    Amen
    Bruk hawna

  • @MerhawitZere
    @MerhawitZere 2 วันที่ผ่านมา +2

    Kibri niamlak yikhun. Robiyee amlakh yihabelna sleteneqaqhena.

  • @yemanemehari8272
    @yemanemehari8272 2 วันที่ผ่านมา +2

    Amenn tebarekh

  • @sr.tirhasyohannes3730
    @sr.tirhasyohannes3730 2 วันที่ผ่านมา +2

    ❤❤❤❤ God bless you all

  • @elfayetel9649
    @elfayetel9649 2 วันที่ผ่านมา +2

    Amenn❤❤❤

  • @AfricaGoitomZayid
    @AfricaGoitomZayid 2 วันที่ผ่านมา +2

    ❤❤❤🙏🙏🙏🙏🤲